ሓዲሽ ናይ ኮቪድ-19፡ ስጉምቲታት ንጥዕናን ድሕነትን

ናይ ካናዳ ኢሚግረይሽንን ስደተኛን ክፍሊ (IRB): ንስደተኛታት ብኣካል ምስማዕ ኪጅምሩ ስለዝኾነ፡ ምእንቲ ናይ ተካፈልትን ሰራሕተኛታትን ኣጋይሽን፡ ጥዕናን ድሕነትን ንምሕላው፡ ኣገዳሲ ዝኾነ ስጉምትታት ይወስዱ ኣለዉ።

ቕድሚ ኣብ ባይቶ ምቅራብካ/ኪ፡ ኩሎም ተካፈልቲ ኣብ ባይቶ ናይ ስደተኛታት ዝቀርቡ፡ ሕቶታት ዝሓዘ ናይ ርእሰ-ግምገማ ቅጽ ክልተ ግዜ ኪመልኡ ኣለዎም። መጀመሪያ ናይ ቀጸራ መዓልቲ ዝነግር ደብዳቤ ክቅበሉ/ላ ከለዉ/ዋ። ካልኣይ ከኣ ኣብ ፍርዲ-ቤት ኪቀርቡ/ባ ከለዉ/ዋ። እዚ ዝግምግሞ፡

  • ንስኻ/ኺ ወይ ምሳኻ/ኺ ዝነብር ሰብ ዝኾነ ምልክታት ዘርኢ/ያ እንተኮይኑ/ና ወይ ከኣ
  • ንስኻ/ኺ እንተደኣ ምስ ሓደ ብናይ ኮቪድ-19 ሕማም ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተለኽፈ/ት ሰብ ርክብ ገርካ/ኪ እንተኰንኳ/ኪ።

2 ሶሙን ድሕሪ ኣብ ባይቶ ብኣካል ምቅራብካ/ኪ፡ ብሕማም ኮቪድ-19 እንተተታሒዝካ/ኪ፡ ነቶም ናይ ሕክምና ሓለፍቲ፡ ኣብ ኢሚግረይሽን ከድካ/ኪ ከዝነበርካ/ኪ ክተፍልጦም ኣሎካ/ኪ።

ምክንያት ናብ ኢሚግረይሽን መምጽኢኻ/ኺ ምንጋር ግን ኣየድልን ኢዩ።

ጉዳይካ/ኪ ዝስምዓሉ መዓልቲ፡ ኣብ ባይቶ ምስበጻሕካ/ኪ እንታይ ከምትጽበ/ዪ።

ካብቲ ተጻሒፉላካ/ኪ ዘሎ ናይ ቈጸራ ሰዓት፡ 30 ደቂቅ ኣቀዲምካ/ኪ ኣብ ባይቶ ተረኸብ/ቢ።

ምስ መጻእካ/ኪ ናይ ኣካላዊ ምፍንታት (ምርሕሓቅ) ኪህሉ ኢዩ።

  • ሕክምናዊ ዘይኮነ ናይ ኣፍ-መሸፈኒ ኣብ ኩሉ ሕዝባዊ ቦታታት ክትጥቀም/ሚ ግዴታ ኢዩ። ኣብኡ’ውን ሓቲትካ/ኪ ይወሃብ ኢዩ።ንስኻ/ኺ ካብቶም ናይ ኣፍ-መሸፈኒ ኪገብሩ ዘይክእሉ እንተኰንኳ/ኪ (እዚ ዘይ ምልከቶም ኣብ ታሕቲ ዝርዝር ርአ) ቅድሚ ኣብ ባይቶ ምምጻእካ/ኪ፡ምእንቲ ኣድላዪ ስጉምትታት ኣቀዲምካ ንኪግበር፡ ኣብ ኣከባቢኻ/ኺ ዘሎ ዝምልከቶ መስሪያ-ቤት ኣመልክት/ቲ
  • ናይ 2 መትሮ ኣካላዊ ምርሕሓቅ (ምፍንታት)ኣብ መንጎኻን/ኺን ካልኦት ሰባትን ክትገብር/ሪ ኣሎካ/ኪ።
  • ኣብ ምድሪ-ቤትን መንደቅን ዝተለጠፉ ሓበሬታ ዝህቡ ምልክታትን፡ ናይ ኢሚግራይሽን ሰራሕተኛታትን ሓለውትን ዝነግሩኻ/ኺ መምርሒታትን ተኸተል/ሊ።
  • ኩሉ ሕዝቢ ዝጥቀሙሉ ቦታታት ምሉእ መዓልቲ ጽርየት ኪግበረሉ ኢዩ።

ኩሎም በጻሕቲ ናይ ርእሰ-ግምገማ ቅጽ ኪመልኡ/ኣ ኪሕተቱ/ታ ኢዮም/የን።

ናይ ኣፍ-መሸፈኒ ኪገብሩ/ራ ዘይግደዱ/ዳ ሰባት

  • ቈልዑት ትሕቲ 2 ዓመት ዕድመ ዘለዎም/ወን፡
  • ገሊኦም ሰባት ብናይ ጥዕና ምኽንያት ናይ ኣፍ-መሸፈኒ ምግባር ዝጽግሞም/መን። እዚ ነዚ ዝኽተል የጠቃልል ግን እዚ ጥራይ’ውን ኣይኮነን፡
    • ናይ ጥዕና ጸገም፡ ናይ ኣእምሮ ጉድለት፡ ናይ ኣእምሮ ኩነታት ወይ ስንክልና ናይ ኣፍ-መሸፈኒ ንምግባር ዘየኽእል።
    • ናይ ጥዕና ኩነታት ናይ ኣፍ-መሸፈኒ እንተገበርካ/ኪ ንምትንፋስ ዘጸግም ኮይኑ ምስዝርከብ።
    • ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም/ወን ሰባት ወይ ሓደ ሰብ ምስ ዘይሰምዕ ሰብ ኪዛረብ ከሎ/ላ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ናይ ኣፍ እንቅስቃሴ ኪረኣ ስለዘለዎ ናይ ኣፍ-መሸፈኒ ከይግበር ይከኣል።
  • ገሊኦም/አን ሰባት ብዘይ ናይ ካልኦት ሓገዝ ናይ ኣፍ-መሸፈኒ ኪገብሩ ወይ ከልግሱ ምስዘይክእሉ/ላ።
  • ገሊኦም ሰባት በቲ ሕጊ ናይ ካናዳ መሰል ደቂ-ሰባት ዝምልከት ኪረኣዩ ዘለዎም።

ኣብ ህንጻ ክትኣቱ

 
  • ናብ አለቫቶር ወይ ጉዳይካ/ኪ ዝስምዓሉ ክፍሊ ንክትከይድ/ዲ ኩሉ መምርሒታት ተኸተል/ሊ።

ኣለቨይቶርስ


 
  • ናይ ድሕነት ስጉምትታት፡ ከም ንምሳሌ ቊጽሪ ብዝሒ ሰብ ብሓንሳብ ኣብ አለቨይቶር ዝኣትዉ/ዋ ገደብ ምግባር፡ ኪህሉ ኢዩ። ብኽብረቱም/ክን መምሪሒታት ተኸተሉ/ላ።
  • ንድሕነት ኩሉ ሰብ። አለቨይቶርስ ብስሩዕ ጊዜ ጽርየት ኪግበረሉ ኢዩ።

ምድሪ-ቤታት፡ ኮሪዶራት ፡ መጸበዪ-ክፍልታት

 
  • ኣብ’ቲ ጉዳይካ/ኪ ዝስምዓሉ ቦታ ምስ በጻሕካ/ኪ፡ መጀመሪያ ምስ ካልኦት ትስራዕ/ዒ፡ መንነትካ/ኪ ከኣ ተርኢ/ዪ።
  • ብዛዕባ ጥዕና፡ ወረቀት-መጠይቅ ምስመላእካ/ኪ፡ዋርዲያ ኣእዳውካ/ኪ ክተጽሪ/ርዪ ኪሓተካ/ኪ ኢዩ።ከይተተንከፍካ/ኪ ቀይሕ ጩራ ብዝጥቀም መዓቀኒ ናይ ሰውነትካ/ኪ ረስኒ ኪምዝገብ ኢዩ።
  • ነዚ ቅድመ-ኩነታት እንተዘየማሊእካ/ኪ፡ ወይ ናይ ሰውነትካ/ኪ ረስኒ ካብ መጠኑ ንላዕሊ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ቈጸራኻ/ኺ ንካልእ መዓልቲ ኪመሓላለፍ ኢዩ።
  • ዋርዲያ ኣብታ ክፍሊ ምዝገባ ወይ ኣብታ ጉዳይካ/ኪ ዝስምዓላ ክፍሊ ኪሕብረካ/ኪ ወይ ከሰንየካ/ኪ ኢዩ። ኣብ መሬት ተሓጺጹ ዘሎ ሓበሬታ ተከተል/ሊ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ካልኦት ናይ ክልተ መትሮ ርሕቀት ምሕላው ኣይትረሲዕ/ዒ። ኩሉ መምሪሒታትን ሕቶታትን ብናይ እቶም ሰራሕተኛታት ምዝገባ ዝቀርብ ከም ሰነዳት ንምምላእን ክትተሓባበር/ሪ ኣሎካ/ኪ።

ጉዳይ ዝስምዓሉ ክፍልታት

 
  • ካብ ተመክሮን፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ በዚ ዝሓለፉ ብዝተረኽበ ሓበረታን መሰረት፡ ናይ ኢሚግረይሽንን ስደተኛን ሓለፍቲ ፡ብኣካል ዝካየድ ፍርዲ-ቤት ማለት ዳኛን ኣስተርጓምን ኣብ ሓንቲ ክፍሊ፡ ምስ ጠበቓን በዓል ጉዳይን ብዘለውዎ/ዋኦ ኪቅጽል ኢዩ።
  • ካብ ሰኑይ መስከረም 14 ጀሚርካ/ኪ፡ ሕክምናዊ ዘይኮነ ኣፍ-መሸፈኒ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ማለት ኣብ ባይቶን፡ዋላ ምስክርነት ኪወሃብ ከሎን፡ ከምኡ ከኣ ጠበቃ ኪማጐት ከሎን ኪግበር ኣለዎ።ካብ’ዚ ፍልይ ዝበለ ኩነታት እንተዘየልዩ። ገሊኦም ሰባት ኣፍ-መሸፈኒ ኪገብሩ/ራ እንተዘይደሊዮም ንዳኛ ክሓቱ/ታ ኣለዎም/ወን።
  • እቲ ክፍሊ-ባይቶ ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪ አኼባን የጽርይዎ ኢዮም።
  • እቲ ዋርዲያ ክሳብ እታ ክፍሊ ኣሰኒዩካ/ኪ፡ ኣበይ ኮፍ ከምትብል/ሊ ከርእየካ/ኪ ኢዩ።
  • ኣብ ውሽጢ ቤት-ፍርዲ ናይ ምፍንታት ዲንጋጌታት ኣሎ።ኣብ ኩሉ ባይቶታት ናይ ምፍንታት መከላኸሊ ከም ናይ ፕላስቲክ መስቲያት ተተኺሉ ኣሎ። ድምጺ ንምቅራጽ ኪምቾ ፡ ዝተመሓየሸ ምሳሪያታት ኣብ’ቲ ክፍልታት ባይቶ ተቋቊሙ ኣሎ። ምእንቲ እቲ ክንየው መከላከሊ ዘሎ ወሳኒ-ሰብ (ዳኛ) ጽቡቅ ኪሰምዓካ/ኪ ብንጹር ድምጺ ፡ዓው ኢልካ/ኪ ክትዛረብ/ቢ ኣሎካ/ኪ።
  • ኣብ’ቲ ባይቶ ንዝሳተፉ ዘለዉ ግለሰባት፡ ዳኛ ከም ርእይትኡ ፡ ናይ ኣፍ-መሸፈኒ ንእተወሰነ ሓጺር ጊዜ፡ ከልግሱ/ሳ ኪሓቶም/ተን ይኽእል።ንምሳሌ ድምጺ ብግቡእ ይስማዕ እንተልዩ ከምኡ ከኣ እቲ ባይቶ ብጽቡቅ ይካየድ ከምዘሎ ንከረጋግጽ።
  • ብክብረትካ/ኪ ኣብ’ቲ ክፍሊ ክትኣቱን/ዊን ክትወጽእን/ጺን ኣእዳውካ/ኪ ብኣልኮል ኣጽሪ/ዪ። መጽረዪ ኢድ ኣብ መእተውን ኣብ ጠረጰዛን ኣሎ።
  • እቲ ናይ ቤት-ፍርዲ ጉዳይ ምስተወደአ፡ እቲ ዋርዲያ ካብቲ ክፍሊ ክትወጽእ ከምኡ ከኣ ነቲ ኣብ መሬት ተገይሩ፡ መንገዲ ዝሕብር ምልክት ተከቲልካ ብዝቀልጠፈ ካብቲ ሕንጻ ክትርሕቅ ኪሓተካ ኢዩ።ኣፍ-መሸፈኒ ከምዝገበርካ ኣረጋግጽ።

ሕዝባዊ መጻራረይታትን ፈልፋሊ ማይን

 
  • ቊጽሪ ሰባት ብሓደ ግዜ ሽንቲ-ቤት ዝጥቀሙ መጠን ኪግበረሉ ኢዩ። ኩሉ ምልክታትን መምሪሒታትን ተከተል/ሊ።
  • ኢድካ/ኪ ብማይን ሳቡናን እንተወሓደ ን20 ክልሂት (ሰኮንድስ) ከምትሕጸብ/ቢ ኣረጋግጽ/ጺ፡ ኣውራ ከኣ ሽንቲ-ቤት እንዲሕሪ ተጠቂምካ/ኪ።
  • ፈልፋሊ-ማይ ምስ ግዚኣዊ ኩባያ ክትጥቀመሉ እትኽእል፡ ኣብ’ኡ ኣሎ።እዚ ከኣ ኣብ ስሩዕ ግዜ ጽርየት ዝግበረሉ ኢዩ።ክትጥቀመሉ ደስ እንተዘይበልካ/ኪ ናትካ/ኪ ማይ ሒዝኪ/ኪ ክትመጽእ/ጺ ትኽእል/ሊ።